ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ዝፀንሕ ኣኼባ÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጥንኩር ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ምኽክር ከምዝግበር ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ዓውዲታት ምትሕብባር ከምዝድህሰሱ ከምዝተገለፀ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት፡፡

መፃኢ ሰሉስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝመርሑዎ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ድማ÷ ናብ ዓሰርተ ዝፅግዑ ሰነድ ስምምዓት ክፍረሙ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እቲ ኣኼባ እንትዛዘም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ዘሎ ጥንኩር ርክብ ኣብ ምጥንኻር ብሓባር ንምስራሕ ሓዱሽ ቃል ከምዝእቶ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment