ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)5ይ ዘበን 6ይ ዓመት እዋን ስራሕ ቀዳማይ ስሩዕ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም ተሳሊጡ።

እቲ ሓበራዊ ኣኼባ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዝገብረኦ መደረ ተኸፊቱ።

ኣብ መኽፈቲ መደረ እተን ፕሬዚዳንት መንግስቲ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ትኹረት ሂቡ ዘሳልጦም ተግባራት ዕላዊ ገይረን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርኡ መኽፈቲ መደረ፥ ዝሓለፈ ዓመት ዕዉታት ተግባራት ዝተፈፀሙሉ ዓመት ከምዝኾነ ገሊፀን።

ነዚ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግም ብምሕዳስ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ብተወሳኺ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ፣ እናተንከባለሉ ዝፀንሑ ፕሮጀክቲታት ብዓወት ምዝዛም ምኽኣሉ፣ ዝሓሸ ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ ዝተረኸበሉ ዓመት ከምዝነበረ ሓቢረን።

5 ቢሊየን ፈልስታት ብምትካል መርሃ ግብሪ ምንባር ኣሰር ሓምለዋይ ልምዓት ብዕዉት መገዲ ምፍፃሙ ብድም ዝሓለፈ ዓመት ብዕዉት መገዲ ዝተፈፀሙ ታሪኻዊ ዓወታት ዝነበርሉ ዓመት ከምዝኾነ ገሊፀን።

ካብዚ ሓሊፉ ን3 ሚሊየን መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝተፈጠረሉ፣ ፍኖተ ካርታ ቀፀልቲ 10 ዓመታት እዛ ሃገር ዝተዳለወሉ፣ ምስ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን መድረኽ ዘተ ብምፍጣር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ዝተገበረሉ ዓመት ከምዝነበረ ተዛሪበን።

ቫይረስኮሮና ብምክልኻል መዳይ ቅልጡፍ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝተሃነፀሉ ዓመት ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ብምኽኒያት እቲ ቫይረስ ንዝፍጠር ሕፅረት ምግቢ ንምክልኻል መሬት ፆሙ ንከይሓድር ምግባር ዝተኽኣለሉ ኢዩ ኢለን።

ይኹን እንበር ብምኽኒያት ኮቪድ 19 ሃገራዊ ምርጫ ዝተናወሐሉ፣ ብዝተፈጠሩ ጎንፂታት ህይወት ዜጋታት ዝሓለፈሉን ዜጋታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበልሉን፣ ዘይግቡኣት ጥሕሰት ሕጊ ዝተፈፀሙሉ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባበቢታት እዛ ሃገር ዘጋጠመ ዕስለ ኣንበጣ ጉድኣት ዘብፀሐሉን ብዙሓት ኣጋጣሚታት ዝተርኣይሉን ዓመት ምንባሩ እውን ሓቢረን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ 2013 ዓ.ም ዝፍፀሙ ቁልፊ ተግባራት ኣመልኪተን ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ዝበፅሕ ፅዕንቶ ልዑል ንከይኸውን ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ኢዩ ኢለን።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቁፅፅር ድሕሪ ምውዓሉ እውን ኢኮኖሚ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ከምዝዕመሙ ሓቢረን።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ እዋን ቫይረስኮሮና ዝተረኸቡ እወንታዊ ኣጋጣሚታት ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ክስራሕ ኢዩ ኢለን።

ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኢኮነኖሚ ብምጥቃም ናህሪ ዋጋ ናብ ሓደ ኣሃዝ ንምውራድ ከምዝስራሕ እውን ተዛሪበን።

ሜካናይዜሽን፣ መስኖ፣ ኩታ ገጠም ሜላታት ኣተሓራርሳ ብምጥቃም ምስሳን እቶት ንምምሕያሽ ክስራሕ ኢዩ ኢለን።

ኣብ 2013 ዓ.ም ቅርታ ህዝቢ ዘለውዎም ዝተጓተቱ ፕሮጀክቲታት ንክዛዘሙ ክግበር ኢዩ፣ ዝተጀመረ ምንባር ኣሰር ሓምለዋይ ልምዓት ናብ ካልኦት ሃገራት ንምትሕልላፍ ክስራሕ ኢዩ ኢለን።

ዓውዲ ትሪዝም ንምንቕቓሕ ዝዓለሙ ፓርኪታት ንምልማዕ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ኢለን።

ኣብቲ መኽፈቲ ስነስርዓት ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ስሙያት ሰባትን ኣምባሳደራትን ከምኡውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓለም ተወከልቲ ለኻዊ ትካላት ተሳቲፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment