ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ህንፀት ሃገረ-መንግስቲ ጠሚቱ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ህንፀት ሃገረ-መንግስቲን ብሄራዊ መንነትን ትኹረት ዝገበረ መድረኸ ዘተ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ የካይዱ ኣለዉ።

ኣካቢ እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ መብራቱ ኣለሙ (ዶ/ር)÷ እቲ መድረኽ ዘተ ብፍላይ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲን ብሄራዊ መንነትን ትኹረት ብምግባር ንሓደ ሰሙን ከምዝካየድ ኣብሪሆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሃነት ዘኽበረ ሓበራዊ ህንፀት ብሄራዊ መንነት ምስ ህንፀት ሃገረ-መንግስቲ ኣተሓባቢርካ ክቕፅል ምግባር ዝተረጋገአን ምዕባለ ንምርግጋፅን ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ፀሪሖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ህንፀት ሃገረ-መንግስቲን ብሄራዊ መንነትን ተተሓሒዙ ፀገማት ኣተገባብራ ንምፍታሕ ብክትዕን ብኣፈላላይ ሓሳብን ናይ ምስዓር ባህሊ ምድንፋዕ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ብምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ናይ ሓሳብ ክትዓትን ልዝባትን ተገይሮም ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ውዳበ መንግስቲ የድሊ ኣብ ዝብል ጉዳይ ሰፋሕቲ ሓሳባት ከምዝለዓሉ ኣብሪሆም።

ኣባላት እቲ ሓራዊ ቤት ምኽሪ ንዝቕፅሉ መድረኻት ሃገራዊ ምኽክር ብብርኪ ፅንሰ ሓሳብ ምቅርራብ ንምፍጣር ዕዙዝ ግደ ከምዝህልዎም ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment