ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰብነት ንኽህልዎ ልዝብ ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰብነት ሃሊዩዎ ናፃን ዘይሻራዊን ትካል ኮይኑ ንኽንቀሳቐስ ልዝብ ይገብር ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣፈፃፅማ ፀብፃቡ ከምኡ እውን ኣብ ምምሕያሽ ረቂቕ ሰነድ ቃል ኪዳን እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂቡ ኢዩ ተዛቲዩ ዘሎ።

ጉጅለ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ረቂቕ ሰነድ ቃል ኪዳን ኣቕሪቡ።

ብመሰረት እዚ ኣባል እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣይተ ሄኖክ ኣክሊሉ፥ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣባል ዝኾኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ብያኔ ዝምልከት መማሐየሺ ኣቕሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኣብ ከይዲ ምዝገባ ዝነበሩ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣባላት  እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾኑሉ ኩነታት ብምትራፍ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ፓርቲታት ጥራሕ ኣባላት ክኾኑ ኢዮም።

ምምሕያሽ ናይቲ ሰነድ ቃል ኪዳን ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ናፅነቱ ብዘሓለወ መልክዑ ሕጋዊ ኣፍልጦ ክህልዎ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ነዚ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ከም ትካል ሲቪክ ማሕበረሰብ ንኽምዝገብ፣ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ብኣዋጅ ተጣይሹ ተፀዋዕነቱ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይ ድማ ንቦርድ መረፃ ንኽውን ናብ ዘተ ቀሪቡ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ጉዳይ ይመሓየሽ ዝበሉዎ ሓሳብ ኣቕሪቦም ምስተዛተዩ፥ መፅናዕቲ ተገይሩሉ ንኽቐርብ እውን ኣብ ውሳነ ተበፂሑ።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment