ሓበራዊ ማእኸል መፅናዕቲ ባዮሎጂካል ኢትዮ-ሩሲያ ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ምድላው ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ረዳት ፕሮፌሰር በለጠ ሞላ ምስ ኣምባሳደር ፌዴሬሽን ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ የሩሲያ ኢቪግኒ ተርኪንን ናብ ቢሮኦም ተቐቢሎም ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲአን ሃገራት ብሳይንስ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዘኽእሎም ጉዳያት ትኹረት ከምዝገበሩ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያንና ሩሲያን ልዕሊ 100 ዓመታት ዘቑፀረ ታሪኻዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ቅድሚ ሕዚ ብሓባር እናተሰርሐሎም ዝነበሩ ዓውዲታት ምትሕብባር ብተወሳኺ ካልኦት ዘፈራት ምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝጀመረኦ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ብዕቱብ ከምዝስራሕ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣምባሳደር ኢቪግኒ ተርኪን ብግደኦም፥ ሩሲያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ብዙሓት ፕሮጀክታት ሓንፂፃ እናሰርሐት ከምዝኾነት ገሊፆም።

ረዳት ፕሮፌሰር በለጠ ሞላ፥ ህዝቢን መንግስቲን ሩሲያ ንኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ሓገዝን ምትሕብባርን ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ምሕታቶም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

 

Comments (0)
Add Comment