ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ትካላት ዴሞክራሲ ፌዴራል ኣብ ጅግጅጋ ሎሚ መዓልቲ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ጅግጅጋ ኣምሪሑ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍድሪ ፌዴራል ወይዘሮ መአዛ አሸናፊ ፣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሽታዬ ምናለ፣  ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብአዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ዘካተተ ኢዩ።

ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ትካላት ዴሞክራሲ ፌዴራል ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ከምዝካየድ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጅግጅጋ ክሳለጥ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment