ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣብ መቐለ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ፌዴሪኢ ምስ መዳርግቲን መሓዙትን ኣካላት ዘሰናድኦ ነበር ተዋጋእቲ እግሪ ኣብ ምትካል ዘድሀበ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ኣብ መቐለ የሳልጥ ኣሎ።

ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ÷ “እቲ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝተገበረሉ ቀንዲ ዕላማ ድሕሪ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣብቲ ክልል ዝተረጋገዐ ኩነታት ብምህላው ኢዩ” ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ተስማዕማዕቲ ምትእምማን ከምዝዓበየ መርአዪ ንኽኸውን ተሓሲቡ ዝተገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣምባሳደር ተሸመ ቶጋ÷ ካብ ተዋጋኣይነት ዝሰናበቱ ነበር ተዋጋእቲ ብዘላቕነት ናብ ማሕበረሰቦም ክፅምበሩን ኣብ ህንፀት ልምዓት፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ንኽሳተፉን ከምኡ እውን ብዘለላቕነት ናብ ሰላማዊ ናብረኦም ክምለሱ ከምዝስራሕ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ክልተ ግዘ መርሃ ግብሪ ተሃድሶ ከምዘካየደት ዝሓበሩ ኣምባሳደር ተሸመ÷ ካብ ዝሓለፉን ዓለም ለኸ ተሞክሮታትን ልምዲ ብምውሳድ እቲ ናይ ሕዚ መርሃ ግብሪ ውፅኢታዊ ንምግባር ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብግደኦም÷ ዝግበር ምኽክር ከይዲ ሰላም ንምጥንኻርን ኣብ ቀፃሊ ንዝግበር ከይዲ ዳግመ ህንፀትን ስራሕቲ ተሃድሶን ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፆም።

“ዓውዲ ሞየኦም ሓዲጎም ኣብ ውግእ ዝነበሩ ተዋጋእቲ ናብ ዝነበሩዎ ዘፈር ሞያ ክምለሱ ክግባር ይግባእ” ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።

ሓላፊ እቲ መርሃ ግብሪ ዕዉት ንኽኸውን ሓገዝ እናገበረ ናይ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቱርሃን ሳላ÷ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ምባል ሓላፍነት ኩሉ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ውሕመ ብኩሉ መዳይ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣፍሊጦም።

ብዘመን በየነ

#Mekelle

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment