ሓረስቶት ወረዳ ሓውዜን ካብ ምእካብ ምህርቲ ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት መስኖ እናነጥፉ ከምዝርከቡ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓረስቶት ዝተፈላለያ ጣብያታት ወረዳ ሓውዜን ካብ ምእካብ ምህርቲ ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት መስኖ እናነጥፉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ካብ ልምዓት መስኖ ብዝግባእ ተጠቀምትን ኣብ መነባብሮኦም ለውጢ እናርኣዩ ከም ዝመፅኡን ዘዘኻኸሩ ሓረስቶት እታ ወረዳ÷ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ዓመት ከሳልጥዎ ንዝሓሰቡ መስኖ ዘድልዮም እታዎታት ብኣግኡ ብምድላው ኣብ ተግባራዊ ልምዓት ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

ብሰብ ሞያ ሕርሻ ጣብያን ወረዳን እኹል ድጋፍን ክትትልን እናተገበረሎም ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኪኢላ ልምዓት መስኖ ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገ/ኪዳን ገ/ሚካኤል÷ ኣብታ ወረዳ ዝተረኸበ ማይ ፀንቂቕካ ብምጥቃም ልዕሊ ሓደ ሽሕን 4 ሚእትን ሄክታር መሬት ዕዳጋ ተኮር ዝኾኑ ኣሕምልቲ ንምልማዕ እኹል ቅድመ ምድላው ተገይሩ ናብ ተግባር ከም ዝተኣትወ ኣፍሊጦም።

ኣብታ ወረዳ ኣብ ጣብያ ፍረወይኒ ብመናእሰይ ኣቢሉ ኣብ ምልማዕ ዝርከብ 17 ሄክታር መሬት ብርጭቕ ሓዊስካ፤ ልዕሊ 600 ሄክታር መሬት፣ ብዝተፈላለዩ ዓይነት ኣሕምልቲ ከምዝለምዐ ኣይተ ምግላፆም ሓበሬታ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን የመላኽት።

Comments (0)
Add Comment