ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘፋልጥ ኮንፈረንስ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘፋልጥ ኮንፈረንስ ክሳለጥ ኢዩ።

ኤጀንሲ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፥ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ወርሒ ሓምለ 32014 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነምክያድ ዘኽአል ቅድመ መድላው ይግበር ኣሎ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር መሓመድ እንድሪስ፥ እቲ መድረኽ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓለዋ ከባቢ፣ ልምዓት ደኒ፣ ግብርናን ምህንድስና ማይን ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሙያ ንክዳሎ ብመሰረት ዘቕረብዎ ምኽረ ሓሳበ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝፃወር ኢኮኖሚ ብምህናፅ ብመግቢ ንባዕላ ንምኽኣል አትገብሮ ዘላ ተግባር ናይ ሓምለዋይ ኣሰር ውፅኢት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተረኸበ ልምዲ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘፋልጥ ኮንፈረንስ ውፅኢታዊ ንክኾን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከመዝስራሕ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment