ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓምለዋይ ኣሰር ንትውልዲ ዝሓልፍ ቅርሲ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
“ሎሚ ንፅባሕ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ካልኣይ ምዕራፍ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመር፥ 25 ቢሊየን ፈልሲ ዝተኸልናሉ ቀዳማይ ምዕራፍ ተዓዊቱ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ ኢትዮጵያ 25 ቢሊየን ፈልሲ ክትተክል ኢያ ክብሉ ተዛሪቦም።
ሓምለዋይ ኣሰር ንትውልዲ ዝሓልፍ ቅርሲ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ለውጢ ክሌማን ምሽርሻር ከባቢን ንምፅዋር ድማ ዝተለምናዮ ሃገር ቦቆል ከይድና ኢዩ ኢሎም።
እዚ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ሓደ ኣማራፂ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ንምግቢ ዝኾኑ እፅዋታት ብምትካል ውሕስነት ምግብና እነረጋግፀሉ ሓደ መገዲ ኢዩ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።