ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓማስ ብመሰረት ዝተኸተመ ውዕል ስምምዕነት ደው ምባል ተፃብኦ ሸሞንተ ተዓገትትቲ ከምዝሰደደ ተገሊፁ።
እቶም ተዓገትትቲ እንትስደዱ ኣብ ቴል ኣቪቭ ብዓብዪ ስክሪን ዝረኣዩ ብዙሓት እስራኤላውያን ታሕጓሶም እንትገልፁ ከምዝነበሩ ይረአ ነይሩ።
እስራኤል ብግደኣ፥ ነፃ ናይ ዝተሰደዱ ዜጋታት መተካእታ 110 እሱራት ፈልስጤም ክትሰድድ ኢያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
እስራኤልን ሓማስን ስምምዕነት ዕርቀ ሰላም ሽዱሽተ ሰሙናት እንትገብሩ ሎሚ ዝተገበረ ልውውጥ ተዓገትትቲ መበል ሳልሳይ ኢዩ ከብል ኒውዮርክ ታይምስ ፀብፂቡ።