ሓማስ፥ እስራኤል “ምሉእ ብምሉእ መጥቃዕቲ ደው ንምባል” ክሳብ ትሰማማዕ ንዝሓዞም ሰባት ከም ዘይለቅቕ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንወሽመጥ ቓዛ ተቘፃፂሩ ዘሎ ሓማስ፥ እስራኤል “ምሉእ ብምሉእ መጥቃዕቲ ደው ንምባል” ክሳብ ትሰማማዕ፡ ጅሆ ንዝሓዞም ሰባት ከም ዘይለቅቕ ኣፍሊጡ።

እስራኤል ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ግዝያዊ ተዅሲ ደው ካብ ዝበለሉን ልዕሊ 100 ጅሆ ካብ ዝፍትሑን ጀሚሩ ልዕሊ 2 ሽሕ ተቓለስቲ ሓማስ ከም ዝቐተለት ትገልፅ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ እስራኤል ዝተጨወዩ ኣስታት 120 ሰባት ክሳብ ሐዚ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ይእመን።

ሕቡራት ሃገራት፥ ኵናት እስራኤል ቓዛ ውሳነ ንምሕላፍ ፃዕርታት ይቕፅል ኣሎ።

ኣሜሪካ ኣብቲ ብባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ እማመ ረዚን ስክፍታ ከም ዘለዋ’ኳ እንተገለፀት፥ መስርሕ ምሃብ ድምፂ ንዓርቢ ተወንዚፉ ኣሎ።

እቲ ኣብዚ ወርሒ ንሓደ ሰሙን ዝተነበረ ስምምዕ ግዝያዊ ምቍራፅ ተኹሲ፥ ረድኤት ናብ ቓዛ ክኣቱ ከም ዘኽኣለ ይዝከር።

ሕቡራት ሃገራት፥ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኵናት እንተ ቐፂሉ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣጠንቂቑ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment