ሓሙሽቲአን መዓልቲታት ጳጉሜን ብዝተፈላለዩ መደባት ተሓሲበን ክውዕላ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሓሙሽቲአን መዓልቲታት ጳጉሜን ብዝተፈላለዩ መደባት ተሓሲበን ከምዝውዕላ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር ንዘሳልጦም ተግባራት ኣብታ ከተማ እቶም መዓልቲታት ተሓሲቦም ከምዝውዕሉ ተገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ “ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኣዩ ህዝባዊ ሓድነት፣ ሰላማዊ መረፃ ምክያድ፣ መንፈስ ይከኣል ምድንፋዕ፣ ዕዉት ስራሕቲ ምኽባር ሰላም፣ ፕሮጀክታትና ኣብ መድረኽ ዓለም ኣፍልጦ ምርካብን መሰል ወናኒት ብዙሓት ዓወታት ምዃና መበገሲ ብምግባር ሓሙሽቲአን መዓልቲታት ብዝተፈላለዩ መደባት ተሓሲበን ክውዕላ ኢየን” ኢለን እተን ምክትል ከንቲባ።

1 ጳጉሜን መዓልቲ ኢትዮጵያዊነት፣ 2 ጳጉሜን መዓልቲ ኣገልጋላይነት፣ 3 ጳጉሜን መዓልቲ ሰናይ ተግባር፣ 4 ጳጉሜን መዓልቲ ጅግንነት ከምኡ እውን 5 ጳጉሜን መዓልቲ ብስራት ቃልኪዳን ኮይነን ተሓሲበን ክውዕላ ኢየን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment