ሓላፊ ግምጃ ቤት ኣሜሪካ ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንምዝታይ ኣብ ሱዳንን ግብፅን ዑደት የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓላፊ ግምጃ ቤት ኣሜሪካ ስቴቨን ሙንሽን ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንምዝታይ ኣብ ሱዳንን ግብፅን ዑደት የካይዱ ኣለዉ።

ትማሊ ምስ ፕሬዚዳንት ግብፂ ኣብዱል ፈታህ ኣል ሲሲ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘተ ኣካይዶም።

ሰለስቲአን ሃገራት ኣብቲ ግድብ ዘለወን ኣፈላላይ ብፍትሓውነት ንክፈትሓ ምግላፆም ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ካይሮ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ ክልቲኦም ኣመራርሓ ኣብ ቀጠናዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ትኹረት ብምግባር ዘተ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ሓላፊ ግምጃ ቤት ኣሜሪካ ስቴቨን ሙንሽን፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሱዳን ዑደት ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቶም ሓላፊ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ብኣሜሪካ ተዓዛብነት ዝተኻየደን ኢትዮጵያ ጣልቃኣታውነት ኣሜሪካ ዝተቓወመትሉን ዘተ ዝመርሑ ዝነበረ ከምዝኾኑ ዝዝከር ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment