ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ደብረ ብርሃን ኮማንደር ታዬ ሃብተጊዮርጊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዊዒሎም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)’ስግኣት ድሕንነት እዮም’ ተባሂሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዊዒሎም ዝነበሩ ሰባት ካብ ማእሰርቲ ብምፍታሕ ዝተጠርጠሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ደብረ ብርሃን ኮማንደር ታዬ ሃብተጊዮርጊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዊዒሎም፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ድሕንነትን እታ ከተማ ኣይተ ዳንኤል እሽቴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፅዎ÷ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ምስ ግብረ ራዕዲ ህውሓት ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝውዓሉ ውልቀ ሰባት ብዘይ ኮማንድ ፖስት ፍቓድ ካብ ማዕረፊ ንኽወፁ ገይሮም እዮም ብዝብል እዩ፡፡

ኣብዚ ገበን እዚ ዝተሳተፉ ካልኦት ኣመራርሓታት ምህላዎም ብዝምልከት ካብ ህዝቢ ሓበሬታ እናበፅሖም ከምዝርከብ ብምግላፅ÷ እቲ መረዳእታ ንምፅራይ እናተሰርሐ እዩ እውን ኢሎም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment