ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጥዕናን ኢንጀንደር ሄልዝን ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ዝተመርሐ ጉጅለ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጥዕናን ኢንጀንደር ሄልዝን ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ዑደት ኣካይዶም።

እተ ጉጅለ ኣብ ዞባታት ሃዲያ፣ ወላይታን ጋሞጎፋን ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሐ ዑደት ስራሕ ገይሩ።

ኣብ ዞባ ሃዲያ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ሾኔ፣ ጣቢያ ጥዕና ቆርጋ፣ ኣብ ዞባ ወላይታ መምሀሪ ሆስፒታል ሶዶን ኣብ ዞባ ጋሞ ጎፋ ድማ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣርባ ምንጭን ዑደት ገይሮም።

ኢንጀንደር ሄልዝ ከጤና ሚኒስቴር ጋር በመተባበር በተለይም በቤተሰብ እቅድና ስነ ተዋልዶ ጤና ላይ የሰራቸው ስራዎች አመርቂ ውጤት ማስመዝገቡን የጤና ሚኒስትር ዲኤታው ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ገልጸዋል

ኢንጀንደር ሄልዝ ምሰ ሚኒስቴር ጥዕና ብምትሕብባር ብፍላይ ኣብ ትልሚ ስድራቤትን ስነ-ተዋልዶን ዝሰርሖም ስራሕቲ፥ ዘዕግብ ውፅት ከምዘመዝገቡ ሚኒስትር ዲኤታ ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪ ዝርከቡ ኣመራርሓታት፣ ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣጋር ትካላትን ተዋዲዶም ብምስራሕ ብምኽኣሎም ዝተረኸበ ውፅኢት ከምዝኾነ፥ ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ስራሕ ተዛሪቦም።

Comments (0)
Add Comment