ሒሳብ ባንኪ ንምኽፋት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ሒዝካ ምቕራብ ቅድመ ኩነት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ባንኪታት ሒሳብ ባንኪ ንምኽፋት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ (ቁፅሪ ፋይዳ) ሒዝካ ምቕራብ ሎሚ መዓልቲ ከም ቀዳማይ ቅድመ ኩነት ተግባራዊ ምግባር ተጀሚሩ፡፡

እቲ ቅድመ ኩነት ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዘውፀኦ መምርሒ ኢዩ ካብ ሎሚ መዓልቲ 23 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ኩለን ባንኪታት ተግባራዊ ምዃን ጀሚሩ ዘሎ፡፡

Comments (0)
Add Comment