ሐዚ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ስሉጥ ምዕባለ እንበር ሚሊዮናት ዝሃልቁሉ ታሪክ ጥምየት ኣይኮነን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሐዚ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ስሉጥ ምዕባለ እንበር ሚሊዮናት ዝሃልቁሉ ታሪክ ጥምየት ከምዘይኮነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 1977 ብድርቂ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ተዘይሙ ዜጋታት ድጋፍ ዝተኣከበሉ ‘Do they know its Christmas?’ ሙዚቃ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዳግም ምልቃቑ ናይ ኢትዮጵያ እዋናዊ ጉዕዞ ልምዓት ዘየገናዘበ ገፅታ ዘበላሺ ያታ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ድርቂ ዘስዓቦ ሰፊሕ ጉድኣት ስዒቡ ኣየርላንዳዊ ሙዚቀኛ ቦብ ጊልዶፍን ካልኦት ህቡባት ሙዚቀኛታትን ንኢትዮጵያ ደገፍ ምግባር ዘኽእል ‘Do they know its Christmas?’ ዝበል ሙዚቃ ደሪፎም ልዑል ድጋፍ ኣተኣኻኺቦም ኢዮም።

ናይዚ ሙዚቃ መበል 40 ዓመት ሎሚ ዘበን ዝተኸበረ እንትኸውን፥ ኣብቲ እዋን ዝተሰርሐ ሙዚቃ ዳገም ተለቒቑ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ናይቲ ሙዚቃ መበል 40 ዓመት እንትኽበር እቲ ሙዚቃ ዳግም ንክልቀቕ ምግባሩ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ከምዘመዘን ምዝራቦም ጋዜጣ “ዘ ታይምስ” ብምሕባር ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሐዚ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ስሉጥ ምዕባለ እንበር ሚሊዮናት ዝሃልቁሉ ታሪክ ጥምየት ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ምግላፆም አውን ኣብሪሁ።

እቶም ሙዚቀኛታት ኣብቲ እዋን ዝሰርሕዎ ስራሕ ዘመስግኖም እኳ እንተኾነ፥ እቲ ሙዚቃ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስዚ እዋን ዘይኸይድ ምዃኑ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ከመዝን ከምዝኽእል ሓቢሮም።

እቲ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ሐዚ ዘላቶ ኩነታት ዘነኣኣሰን ሰባዊነት ትሕት ዘብልን ያታ ዝሓዘ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብስሉጥ ዝዓቢ ናይ ዘሎ ኢኮኖሚ በዓልቲ ዋና፣ ታሪካዊ ስፍራታት ቱሪዝም ካብ መንጎ ዝረአዩሎም ከባቢታት ሓንቲ ዝኾነት ከምኡውን ኣብ ኣፍሪካ ገዚፍ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌከትሪክ ትሃንፅ ዘላ ሃገር ከምዝኾነት ምግላፅ ኢዩ ዝጠቅም ኡሎም።

እቲ ሙዚቃ ሐዚ ነሕና ንእንደሊዮ ኢንቨስትመንት ዝጠቅም ኣይኮነን ብምባል፥ ድርቂ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም ኣህጉር ይኹን ሃገር ኣይገልፀናን ከብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ካብዚ ንደሓር ብጥምየት ክትፍለጥ ኣይትኽእልን ክብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።

ምክንያቱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ግብርናን ካልኦትን ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታት ዳግም ጥምየት ንከይፍጠር ዝገብሩ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ብስርናይ ንባዕላ ክኢላ ኢያ፤ ካልኦት ፍሪያታት እውን ብፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ናይ ምትካእ ዓቕሚ ፈጢራ ኢያ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment