ሐዚ ዘሎ ትውልዲ ክብሪ ሃገሩን ፀለምቲ ህዝብታትን ንክቕፅል ኣፍሪካዊ ትካላት ክድግፍ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሐዚ ዘሎ ትውልዲ ክብሪ ሃገሩን ፀለምቲ ህዝብታትን ንክቕፅል ኣፍሪካዊ ትካላት ክድግፍ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ፥ ዓለም ለኸ ታሪኽ ፀለምቲ ህዝብታት፣ ቅርስን ማእኸል ትምህርቲን ዋና ቤት ዕዩኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽፋቱ ዕላዊ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ኢዩ ነዚ ኢሎም።

ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተሳለጠ እቲ ስነ ስርዓት፥ እቲ ማእኸል መቐመጢኡ ኣብ ኢትዮጵያ ምግባሩ ታሪኽን ኣበርክቶን ፀለምቲ ህዝብታት ብመፅናዕቲን ምርምርን ዝተደገፈ ጭቡጥ ስራሕቲ ዕላዊ ምግባር ዘኽአል ኢዩ ኢሎም።

ሐዚ ዘሎ ትውልዲ ክብሪ ሃገሩን ፀለምቲ ህዝብታትን ንክቕፅል ኣፍሪካዊ ትካላት ክድግፍ ከምዝግባእ ገሊፆም።

እቲ ማእኸል መቐመጢኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምግባሩ ዕውትነት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ መርኣዪ ኢዩ ተባሂሉ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment