ሐዚ ከምዘሎ ኣማራፂ ዕድል እንተዝህሊ ነይሩ ናብ ዕጥቂ ቃልሲ ኣይምኣተኹን-ኣምባሳደር ሌንጮ ባቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሓዱሽ መንግስ ሐዚ ከምዝጀመሮ ኣማራፂ ዕድል እንተዝህሊ ነይሩ ናብ ዕጥቂ ቃልሲ ኣይምኣተኹን ክብሉ ነበር ኣመራርሓ ኦነግን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዕዲ ዓረብን ሌንጮ ባቲ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ሌንጮ ባቲ፥ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ኣግላሊ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ ተቓርኖ ዘበናት ንክተሕልፍ ተገዲዳ ፀኒሓ ኢያ ኢሎም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዘበናት ዝፀንሐ ሕቶኡ ፃምእ ለውጢ ከምዝኾነ አወን ተዛሪቦም።

ማዕርነትን ሕውነትን ንክነግስ ኢሉ እውን ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ከም ፀላኢ ከይኮነስ ከም ሓደ መዳርግቲ ኣካል ነክረኣዩ ዝሰርሕ በዓል ራዕይ መራሒ ምርካብ ሕቶ ህዝቢ ከምዝነበረ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ምላሽ ዕላዊ ከምዝኾነ እቶም ኣምባሳደር ሓቢሮም።

ህዝቢ ብዝገበሮ መሪር ቃልሲ ናብ ስልጣን ዝመፅአ ኣመራርሓ ለውጢን ዝተጣየሸ ሓዱሽ መንግስቲን ንሕቶታት ህዝቢ ግቡእ ክብሪ ብምሃብን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ንክሸራሸሩ ብምግባርን ምስ ኩሎም ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ብሓባር ንምስራሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ዘመስግኖ ተግባር ኢዩ ክብሉ ምግላፆም ኢፕድ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment