ሎስ አንጀለስ ተወሳኺ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከጋጥማ ከምዝኽእል ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎስ ኣንጀለስ ካብ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ጀምሮ ከቢድ ንፋስ ከምዝህሉ ሓበሬታ ትንበያ ምውፅኡ ስዒቡ ተወሳኺ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከጋጥማ ከምዝኽእል ተሓቢሩ፡፡

ትንበያታት ለውጢ ኣየር ከምዘመላኸቱዎ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ክልል ሎስ ኣንጀለስ ካብ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ጀሚሩ ልዑል ንፋስ ከምዝህሉ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ኣብታ ግዝኣት “ካሊእ ዘፍርሕ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከስዕብ ይኽእል ኢዩ” ተባሂሉ፡፡

ጉድኣት እቲ ሓደጋ ንምክልኻል ሰራሕተኛታት ባርዕ ሓዊ ርብርብ እናገበሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ይኹን እምበር ዝናብ ዘይዘንብ እንድሕር ኮይኑ እቲ ሓደጋ ዘብፀሖ ጉድኣት ሙሉእ ብሙሉእ ምትራፍ ከምዘይከኣል ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ሜንን ምዕራብን ሎስ ኣንጀለስ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 37 ሺሕ ሄክታር ቦታ ከምዘቃፀለ ዝተገለፀ እንትኸው 35 ሚኢታዊ ዝኸውን ክፋል ሰሜን ሎስ ኣንጀለስ ብሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክድሕን ከምዝኸኣለ ተገሊፁ፡፡

25 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ካብ 250 ክሳብ 275 ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ዓኒዩ ተባሂሉ፡፡

Comments (0)
Add Comment