ሎሬት ዓለም ዶ/ር ጥበበ የማነ ብርሃን ዓሪፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሎሬት ዓለም ዶ/ር ጥበበ የማነ ብርሃን ዓሪፎም ብሕክምና ሙያ፣ ብሃገር ሽማግለነት፣ ብምትሕብባር ሓገዝን ብኣባልነት ኮሚሽን ዕርቀ ሰላምን ሃገሮም ዘገልገሉ ነይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሬት ዓለም ዶ/ር ጥበበ የማነ ብርሃን ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ንመላእ ቤተሰቦም፣ ፈተውቶምን ኢትዮጵያውያንን ድማ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ብግደኦም፥ ሎሬት ዓለም ዶ/ር ጥበበ የማነ ብርሃን ካብዚ ዓለም ብሞት ብምፍላዮም ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰቦምን ፈተውቶምን ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ፥ ብምኽኒያት ሕልፈተ ህይወት ሎሬት ዓለም ዶ/ር ጥበበ የማነ ብርሃን ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ ብኮቪድ -19 ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment