ሎሬት ኖቤል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሬት ኖቤል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዕለተ ሰሉስ ኣብ ኖርዌይ፣ ኦስሎ ኣብ ዝተሳለጠ ስነስርዓት፥ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ከምዝተረከቡ ይፍለጥ።

ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ፥ ሰብ መዚ መንግስቲ፣ ፍሉጣት ሰባትን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ብተወሳኺ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብባህላዊ ሳዕስዒትን ባንዲ ማርሽን ዝተዓጀበ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኢዩ።

ንክብሮም ክበሃል ድማ 21 ጊዘ መድፍዕ ተተኲሱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንሰላምን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ብዝገበርዎ ፃዕሪ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሐ ቅርሕንቲ ኣብ ምፍታሕ ብዝገበርዎ ፃዕሪ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ንክኾኑ ከምዘኽኣሎም ይዝከር።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝነበረ ሓርፋፍ ርክብ ንክስተኻኸል ግደ ከምዝነበሮም እቲ ኮሚቴ ሽልማት ገሊፁ ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment