ሎሚ ዘበን ዝተኸበረ በዓል ዓወት ዓድዋ ነቲ ዓወት ብዝምጥን ምኽባሩ ፍሉይ ይገብሮ- ፕሬዚዳንት ማሕበር ጀጋኑ ሃርበኛታት ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2106 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸበረ መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ነቲ ዓወት ዝምጥን ዝኽሪ ኣብ ዝተሃነፀሉ ምኽባሩ ፍሉይ ይገብሮ ክብሉ ፕሬዚዳንት ማሕበር ጀጋኑ ሃርበኛታት ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ነቲ በዓል ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ ግዙፍ ዓወት ዓድዋ ብዝምጥን ኩነታት ዝኸሪ ዓወት ዓድዋ ብምህናፁ ታሕጓሶም ገሊፆም።

ነቲ ስራሕ ሓሳብ ካብ ምፍልፋል ጀሚሮም ብቅንዕና ንዝተሳተፉ ኣካላት አመስጊኖም።

ሎሚ ዘበን ዝተኸበረ በዓል ዓወት ዓድዋ ነቲ ዓወት ብዝምጥን ምኽባሩ ፍሉይ ይገብሮ- እውን ኢሎም።

ታሪክ ምክንኻንን ሃርበኛ ትውልዲ ምፍራይን ኢዩ ሸቶና፤ ነዚ ድማ እቲ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ልዑል ኣበርክቶ ከበርክት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment