ሎሚ ኩልና ኣብ ላሊበላ ተረኺብና ንኽነኽብር መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ንዝገበሩ ኢትዮጵያውያን ምስጋና ይግበኦም – ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2014 ( ኤፍ ቢ ሲ)”ሎሚ ኩልና ኣብ ላሊበላ ተረኺብና ንኽነኽብር መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ንዝገበሩ ኢትዮጵያውያን ምስጋና ይግበኦም” ክብላ ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

በዓል ልደት “ልደት ኣብ ላሊበላ” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝመፅ ብዙሓት ዕዱማት ኣብ ዝተረኸቡሉ ብብርኪ ሃገር ኣብ ከተማ ላሊበላ ተኸቢሩ።

ኣብቲ መር ሃግብሪ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ፥ “ሎሚ ኩልና ኣብ ላሊበላ ተረኺብና ንኽነኽብር መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ሰዊኦም፣ ኣዕፅምቶም ከስኪሶምንደሞም ኣፍሲሶምን ናብዚ ዘብቅዑና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራ፣ ንመላህ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣምሓራን ምስጋናይ ከቕርብ ይደሊ ኢለን።

ኢትዮጵያውያን ዘፀብቐሎም ካብ ኩሎም ኩርናዓት ተኣኻኺቦም በዓል ብሓባር እንተኽብሩ ከምዝኾነ እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን።

ብሓባር ብምዃን ልደት ኣብ ላሊበላ፣ ጥምቀት ኣብ ጎንደር፣ መውሊድን ዓረፋን ኣብ ዓልነጃሺ፣ ፅዮን ማርያም ኣብ ኣኽሱም፣ ኢሬቻ ኣብ ቢሾፍቱ፣ ጨንበላላ ኣብ ሃዋሳ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ እንትኽበር ኢዩ ብምባል ዘርዚረን።

መግለፂ ሓድነትና እዚ ኮይኑ እናሃለወ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ክኸውን ዘይብሉ፣ ክፍጠር ዘይግበኦ፣ መለክዒ ዘይብሉ ፅልኢ፣ መዕነዊን ተግባር ጭካነን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዝተፈፀመ ፀሪሐን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መልእኽተን፥ ኢትዮጵያ ብዙሓት ወረራታት ብምምካት ሉኣላውነታ ብምሕላው ሓድጊታታ እውን ብጥንቃቐ ሒዛ ከምዝፀንሐት ገሊፀን።

እቲ ናይ ሕዚ ወራር ግን ካብ ወፃኢ ዘይኮነስ ልኡኽቶ ጥፍኣት ሒዙ ዝሓዘ ፀላኢ ከምዝኾነ ብምሕባር ተግባር ጭካነ ህወሓት ኮኒነን።

ኣብ ከተማ ላሊበላ እውን ብወራር እቲ ግብረ ራዕዲ ብዙሓት ወገናት ከምዝተመዛበሉ፣ ከምዝተጎሳቖሉ፣ ከምዝተደፈሩ፣ ዕንወትን ዘረፋን ተፈፂሙ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ድማ በቲ ግብረ ራዕዲ መዕነዋይን ፀላኢን ከምዝኾነ ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ “ዳግም ከይፍጠር ኩልና ንሰላም ሃገርና ብሓባር ጠጠው ክንብል ይግባእ” ኢለን።

“ናይዚ ዓመት በዓል ልደት ምሳኹም እንትነኽብር እውን ኣይዞኹም ምሳኹም ኢና ንምባል ኢዩ” ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ውቑር ኣቢያተ ክርስቲያን ላሊበላ እውን ካብ መንግስቲ ፈረንሳይ ብዝተረኸበ ሓገዝ ሕድሳት ከምዝግበረሉ ኣረጋጊፀን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

Top of Form

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment