ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)“ሎሚ ንተኽሎ ፈልሲ ናይ ፅባሕ ምግብና፣ መፅለሊናን መከላኸሊ ብኽለት ኣየርን ኢዩ” ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ “ናይ ሎሚ ወጋሕታ ታሪኻዊት እያ” ኢለን።
ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል ፃውዒት ተቐቢልና 4 ሚሊየን ፈልሲታት ኣብ 140 ቦታታት ምስ ነበርቲ ምትካል ጀሚርና” ክብላ ገሊፀን።
“ተሓባቢርና እንተሰሪሕና ፀገማትና ቀሊሎም፣ ርሑቕ ዝመስል ዓወት እናቐረበ ንብዙሓት ተጠቀምቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ሰሪሕና ኢና” እውን ኢለን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com