ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅ ስራሕና እንተይዛዘምና ምስ ጁንታ መቐለ ዝግበር ድርድር ኣይህሉን – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅ ስራሕና እንተይዛዘምና ምስ ጁንታ መቐለ ዝግበር ድርድር ኣይህሉን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ስግብግብን ኣረመኔ ዝኾነን ጁንታ መቐለ ኣብ ኣባላት ሰራዊት እዚ ሰሜን ዘብፀሖ ኢሰብኣዊ መቕተልቲ፣ ግፍዒን በደልን ኣይንርስዖን” ኢሎም።

እቲ ጁንታ ናብ ፍትሒ ቀሪቡ ግቡእ ቅፅዓት እንተይረኸበ ንፃት እውን ኣይነዕርፍን” ክብሉ እውን ገሊፆም።

“ሕዚ እውን ደጋጊመ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከረጋግፆ ዝደልዮ ልዕልዕለት ሕጊ ንምርግጋፅ ንሰርሖ ስራሕ እንተይዛዘምና ምስዚ ጁንታ ዝግበር ድርድር ከምዘይህሉ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment