ልዕሊ 9 ነጥቢ 2 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ንሓረስቶት እናተኸፋፈለ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 9 ሚሊየን 209 ሺሕን 631 ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ብመሰረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣቢሉ ንሓረስቶት እናተኸፋፈለ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም ካብ ወፃኢ ዝተዓደገ መዳበሪያ 9 ሚሊየን 835 ሺሕን 606 ኩንታል ኣብ ወደብ ጂቡቲ ከምዝበፅሐ ሓበሬታ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

መዳበሪያ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ከምዝተጠናኸረ ዝገለፀ እቲ ኮርፖሬሽን÷ 440 ሺሕ ኩንታል ዩሪያ ዝፀዓነት መርከብ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ከምዝበፅሐት ሓቢሩ፡፡

ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲታት ድማ 822 ሺሕን 773 ኩንታል መዳበሪያ ዝፀዓነት መርከብ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ከምትበፅሕ ትፅቢት ይግበር ኢሉ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣቱ መጠን መዳበሪያ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲታት ናብ 10 ነጥቢ 7 ሚሊየን ኩንታል ክብ ከምዝበለ ኣመልኪቱ፡፡

Comments (0)
Add Comment