ልዕሊ 800 ጠያይቲ ኣብ ውሽጢ ምሸላ ባሕሪ ሓቢኡ እናዘዋወረ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ልዕሊ 800 ጠያይቲ ኣብ ውሽጢ ምሸላ ባሕሪ ሓቢኡ እናዘዋወረ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ 7 ፍሉይ ሽሙ ኣውቶቡስ ተራ ንእሽተይ መናሃሪያ ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ውልቀ ሰብ ብክልተ ከረጢት ኣብ ዝሓዞ ምሸላ ባሕሪ 200 ጥያይቲ ብሬንን ጣያይቲ 668 ክላሽን ኮቭን ብሓፈሻ 806 ጣያይቲ ሓዋዊሱ ብምሕባእ ኣብ ተሸከርካሪት ብምፅዓን እናተዘዋወረ እንትንቀሳቐስ ኣብ ስራሕ ብዝነበሩ ተቖፃፀርቲ ስነ-ስርዓት እቲ መናሃያ ተጠራጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ከምዝኸኣለ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ፡፡

ተቖፃፀርቲ ስነ-ስርዓት እቲ መናሃሪያ ቅድሚ ሕዚ እውን ብተደጋጋሚ እናተፈፀሙ ዝነበሩ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር መሳርሒታት ኲናትን ካልኦት ገበናትን ብምቁፅፃርን ብመሓዝን ውፅታዊ ስራሕቲ ምስረሖም ተገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን፥ እቶም ተቖፃፀርቲ ነዚ ተግባሮም ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ብምግላፅ ንሰላም እታ ከተማ እናበርከቱዎ ዝርከቡ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment