ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 597 ሚሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ናብ ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚን ናፃ ንግዲ ዞባ ድሬዳዋን ከምዝኣተዉ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ፡፡
ፈፃሚ ስራሕ ፕሮሞሽንን ማርኬቲንግን ኢንቨስትመንት እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ዘመን ጁነዲ÷ ልዕሊ 80 በላይ ዝተፈላለዩ ኢንቨስትመንታት እቲ ኮርፖሬሽን ናብ ዘመሓድሮም ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚ ከምዝተስሓቡ ገሊፆም።
ብዝተስሓቡ ኢንቨስትመንታት 14 መፍረዪ ሼዳትን ልዕሊ 70 ሄክታር ዝለምዐ መሬትን ንሰብሃፍቲ ከምዝተመሓላለፉ ኣብሪሆም፡፡
እቶም ኢንቨስትመንታት ኣብ ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚ መቐለ፣ ቦሌ ለሚ፣ ቂሊንጦ፣ ኮምቦልቻ፣ ፍሉይ ናፃ ንግዲ ዞባ ድሬዳዋ፣ ጅማን ሰመራን ዝተዋፈሩ ከምዝኾኑ ሓበሬታ እቲ ኮርፖሬሽን የመላኽት፡፡