ልዕሊ 575 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎመ ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 575 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎመ ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎ እቶም ዝተትሓዙ፥ ኣልባሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ናውቲታት ህንፀት፣ ቡን፣ ጥራምረ፣  ጫት፣ መዐወንቲ እፃት፣ መድሓኒት፣ ተሽከርከርቲን ናይ ወፃኢ ዓዲታት ገንዘብን ይርከብዎም።

ሰራሕተኛታት ኮሚሽን ጉምሩክ፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኣባላት ፖሊስ ክልል፣ ሕብረተሰብ ብዝገበሮ ሓበራዊ ፃዕሪ እቶም ናውቲ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment