ልዕሊ 50 ሚኢታዊ እታወት ዝተወሰኸሎም ተሸከርከርቲ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 50 ሚኢታዊ እታወት ዝተወሰኸሎምን ብሓዱሽ ምልክት ንግዲ ናብ ዕዳጋ ዝኣተዉ ተሸከርከርቲ ከበድቲ ፅዕነት ፍራንኮን ብዝተብሃለ ትካል ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ተላኡኾም።

ፍራንኮ ዝተብሃለ ትካል ንመበል 15 ዙር ከበድቲ መኻይንናብ ወፃኢ ዕዳጋ ምቕራቡ ብምምልካት ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነት ኣብ ዘሰናደኦ መርአዪ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ ኣፍረይቲ ኣብ እዋን ስረሖም ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ተፃዊሮም ብምሕላፍ ኢኮኖሚያዊ ረብሐኦም ኣብ ዘየዛብዕ መሰረት ንምንባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ፍራንኩን 60 ሚኢታዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ብምጥቃም ክፍሊ ኣካል መኻይን ከምዘፍሪ ዝገለፁ ኣይተ ፍራንችስኮ፥ ንዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ልዕሊ 200 ተሸከርከርቲ ሰሪሖም ከምዝሃቡን ኣብ ቀፃሊ እውን 67 ከቢድ ፅዕነት ተሸከርከርቲ ንምስራሕ ትእዛዝ ከምዝተቐበሉ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ትካል ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ን320 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ኢዩ ምባሉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment