ልዕሊ 5 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ተዘዋዊሮም – ኤጀንሲ ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 5 ሺሕን 844 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ከምዘዘዋወረ ኤጀንሲ ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ኣፍሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ፥ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን 295 ተወሰኽቲ ስደተኛታት ከምዝተቐበለ ገሊፁ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ካብ ሽረን ከባቢኣን ናብተን መዓስከራት ዝተዘዋወሩ ስደተኛታት ቁፅሪ 5 ሺሕን 844 ከምዝበፅሐ ኣብሪሁ፡፡

እቶም ምስ ምዝውዋር ጎድና ጎድኒ እውን ህፁፅ ህንፀት መዕቖቢ እናተቀላተፈ ከምዝርከብ እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment