ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 499 ሺሕን ተምሃሮ መእተዊ ፈተና ዩኒቨርሲቲ ንምውሳድ ከምዝተመዝገቡ ሃገር ለኸ ኣገልግሎት ምዘና ትምህርቲን ፈተናታትን ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ ኣገልግሎት ሓላፊ ዴስክ ምዝገባ ተፈተንቲ፣ እርማት ፈተናን ምውዳድ ውፅኢት ማዕረፉ ሌሬቦ÷ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ንዝወሃብ ፈተና መእተዊ ዩኒቨርሲቲ 12 ክፍሊ ብስሩዕን ብውልቀን 750 ሺሕ ተምሃሮ ክምዝገቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ምዝገባ ተፈተንቲ ስሩዓት ተምሃሮ ካብ 8 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ብኦንላይን እናተሳለጠ እንትኸውን÷ 6 ጥሪ 2017 ዓ.ም ከምዝዛዘም እቶም ሓላፊ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።
ኣማራፂ ኢንተርኔት ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት ተምሃሮ ካብ ኢንተርኔት ወፃእ ድሕሪ ምምዝጋቦም ኢንተርኔት ናብ ዝሰርሐሉ ከባቢ ብምኻድ መረዳእተኦም ናብ ኦንላይን ክፅዕኑ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም።
ብስሩዕ ፕሮግራም 600 ሺሕ ተምሃሮ ክምዝገቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ ክሳብ ሕዚ 82 ሚኢታዊ ዝኾኑ ተምሃሮ ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም።
ብመሳፍንት እያዩ