ልዕሊ 47 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 47 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ናውቲታት ኮትሮባንድ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ብዘይሕጋዊ መገዲ እንትዘዋወር ተታሒዙ።

ሓላፊ ኮሙኒኬሽንን ሚዲያ ዲቪዥንን መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ዋና ኢንስፔክተር ቶሎሳ ጎሹ፥ መበገሲኡ ካብ ጅቡቲ ብምግባር ብኮንተይነር ተዓሺጉ ናብ ማእኸል ዓዲ እንትኣቱ ዝነበረ ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝኾነ ገሊፆም።

መድሓኒትን ኣጭርቕቲን ፅዒኑ ኣብ ምጉዕዓዝ ዝነበረ ተሽከርካሪ ኣብ ከባቢ  ወረዳ ሃረማያ ከባቢ  ደንገጎ ብምግልባጡ በዝተገበረ ተፍቲሽ ብዘይሕጋዊ ሰነድ ናብ ውሽጢ ዓዲ ንክኣቲ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

እቲ ኣሽከርካሪ ነግዚኡ ካብቲ ከባቢ ብምስዋሩ ፖሊስ ክትትል ይገብር ከምዘሎ ንፋና ብሮድስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

ብተሾመ ሃይሉ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment