ልዕሊ 42 ቢሊየን ብር ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዘፈር ኢንቨስትመንት ከምዝተዋፈሩ ክልል ኣምሓራ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 42 ቢሊየን ብር ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዘፈር ኢንቨስትመንት ከምዝተዋፈሩ ቢሮ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን እቲ ክልል ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ናይ 6 ወርሒ ኣፈፃፅምኡ ኣብ ከተማ ደሴ ዝገምገመ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብቲ ክልል ብዝተንቀሳቐሱ ኢንቨስትመንታት ልዕሊ 87 ሺሕ ክፋላት ሕብተሰብ ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ልዕሊ 3 ሺሕን 600 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከምዘለዉ ዝገለፁ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ እንድሪስ ዓብዱ፥ ዝረአዩ ፀገማት ብምፍታሕ ኣብቲ ዓውዲ ዝርከብ ረብሓ ንምድንፋዕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ፣ ፀገም መሰረተ ለምዓትን መሰል ፀገማትን ብምፍታሕ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፍሰት ኢንቨስትመንት ንምዕባይ ከምዝስራሕ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተጎድኡ ከባቢታት ካብ ፀገሞም ድሒኖም ናብ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት ክኣተው ንምግባር ብዕቱብ ከምዝስራሕ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ብከድር መሓመድ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment