ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልአ እዋን ልዕሊ 400 ሺሕ ምዝገባ ንግዲን ግልጋሎት ፍቓድን ብኦንላይን ከምዝተውሃበ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስቴር÷ ካብ 1 ሓምለ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣወሃህባ ግልጋሎት ምዝገባን ፍቓድን ንግዲ ብብርኪ ሃገር ብኦንላይን ምግባሩ ይዝከር፡፡
ካብ 1 ሓምለ 2015 ዓ.ም ክሳብ 8 መስከረም 2016 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን 401 ሺሕ 830 ግልጋሎት ምዝገባን ፍቓድን ንግዲ ብኦንላይን ምሃብ ከምዝተኸኣለ ተገሊፁ፡፡
እቲ ግልጋሎት ካብ ፌዴራል ክሳብ ክልል ኣብ ዘለዉ ትካላት ንግዲ ዝተውሃበ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒሰስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ብኦንላይን ካብ ሞንጎ ዝተውሃቡ ግልጋሎታት÷ ምዝገባ ንግዲ፣ ሓዱሽ ፍቓድ ንግዲ፣ ምሕዳስ ፍቓድ ንግዲ፣ ምስራዝ ፍቓድ ንግዲ ስራሕን ካልኦትን ይርከቡዎም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com