ልዕሊ 398 ሺሕ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ካብ ቀረፅን ታክሲን ናፃ ንኻትዉ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 398 ሺሕ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ካብ ቀረፅን ታክሲን ናፃ ማን ሃገር ንኻትዉ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር÷ ኢትዮጵያ ንባዕላ ብምግቢ ንኽትክእል ትገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ፍርያትን መፍረያይነትን ንምውሳኽ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ምምሕያሽ ፖሊስን ኣሰራርሓን ከምዝገበረ ገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ እዋን ክረምቲ ጥራሕ እናፈረየ ዝነበረ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ብምቕያር ኣብ እዋን ክረምቲ እውን ሓረስታይ መስኖ ተጠቒሙ ንኸፍሪ ምስ መሓዙት ትካላት ብሓባር እነሳርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ብምዃኑ ኣብ መጀመርታ ርብዓ ዓመት እቲ በጀት ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 398 ሺሕ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ካብ ቀረፅን ታክሲን ናፃ ማን ሃገር ንኸኣትዉ ከምዝተገበረ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment