ልዕሊ 39 ሺሕ ናይ ሓሶት ባጤራ ብር ዝተረኸቦም ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ፣ ከተማ ሰንበቴ ልዕሊ 39 ሺሕ በዓል 200 ናይ ሓሶት ባጤራ/ኖት ብር ዝተረኸቦም ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እቲ ወረዳ ዋና ኢንስፔክተር መሓመድ ዓሊ፥ እቶም ተጠርጠርቲ ትማሊ ብ29 ሺሕን 400 ብር ከልተ ሰንጋ ብምዕዳግ ከፍሊት ፈፂሞም ክኸዱ ክብሉ እቶም ሸየጥቲ ነቲ ገንዘብ ብምጥርጣሮም ንፖሊስ ሓበሬታ ከምዝሃቡ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ፖሊስ ብዝገበሮ ስራሕቲ ምፅራይ እቲ ገንዘብ ናይ ሓሶት ምዃኑ ተረጋጊፁ።

ስለዝኾነ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ብዝተገበረ ተፍቲሽ ተወሳኺ 10 ሺሕ ናይ ሓሶት ብር ከምዝረኸበ ተሓቢሩ።

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment