ልዕሊ 330 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 330 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝሓዘ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኮሚሽን ካብ 27 ሕዳር ክሳብ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትት ኢዩ 308 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ኣታዊን 23 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ወፃቲን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ዝሓዘ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ክዳውንቲ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ወርቂ፣ ቡን፣ ጥረምረ፣ መለዋወጢ ተሽከርከርቲ፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ መዕወኒ ሓሺሽ ፣ መድሓኒት፣ ናይ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብን ይርከቡዎም፡፡

ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ጉምሩኽ ሃዋሳ፣ ሞያሌን ድሬድዋ ጉምሩክ ኮንትሮባንድ ኣብ ምቁፅፃር ቀዳማይ ቦታ ከምዝሕዛ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment