ልዕሊ 30 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 30 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ከምዝሓዘ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ኮሚሽን ብዝገበሮ ክትትል፥ ልዕሊ 26 ነጥቢ 1 ሚሊየን ኣተውቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን 3 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ ወፃእቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ 11 ጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ተታሒዞም ኢዮም፡፡

ኣብ ምቁፅፃር ኣተውቲ ኮንትሮባንድ ጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ጅግጅጋ፣ ሞያሌን ድሬድዋን ብቐዳምነት ዝፅርሑ እንትኾኑ፥ ብቕደም ሰዓቦም ልዕሊ 10 ነጥቢ 6፣ 4 ነጥቢ 8ን 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብርን ዘውፅኡ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክተሓዙ ክኢሎም፡፡

ዘይሕጋዊ ንግዲን ኮንትሮባንድን ንምግታእን ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ዘሕድሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምክልኻል ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ሕብረተሰብን ናይ ባዕሎም ብፅሒት ንኽዋፅኡ ኮሚሽን ጉምሩኽ ፀዊዑ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment