ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮምሽን ጉምሩክ ልዕሊ 255 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ካናቢስን ናውቲታት ኮንትሮባንድን ምትሓዞም ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ኮምሽን ካብ 18 ክሳብ 24 ጥቕምቲ 2015 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትልል፥ 144 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኣታዊ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን፣ ልዕሊ 195 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ወፃኢን ብሓፈሻ 339 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ብዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈት ጨንፈራት ምትሓዞም ገሊፁ፡፡
ኣብ ዉሽጢ እቶም መዓልትታት 24 ነጥቢ 1ን 8 ነጥቢ 2 ኪሎ ግራም ዝምዘን ልዕሊ 255 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎ ካናቢስ ዝተብሃለ መዐወኒ ሓሽሽ ካብ ሃገር ክወፅእን ክኣትን ክብል ብጨንፈር ቤት-ፅሕፈት ጉምሩክ ዓለም-ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምትሓዙ ተገሊፁ፡፡
ካብ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክዳዉንቲ፣ ነዳዲ፣ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ተሸከርከርቲ፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ መሳርሒ ኲናት፣ ጫት፣ መዐወኒ ሓሸሽ፣ ብልኢ ዘይቲን ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ገንዘብ ከምዝርከብዎም ካብ ኮምሽን ጉምሩክ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።