ልዕሊ 250 ኩባንያታት ዝሳተፉሉ ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 13  ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ኢትዮ ቻምበር ልዕሊ 250 ኩባንያታት ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ኢትዮጵያ፥ መበል 13 ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ኢትዮ ቻምበር ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

ኣብቲ መግለፂ ከምዝተሓበሮ፥ እቲ ምርኢት ንግዲ ካብ 19 ክሳብ 23 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም “ናይ ኢትዮጵያ ይግዝኡ – ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ይግበሩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤግዚቪሽን ማእኸል ክካየድ ኢዩ፡፡

እቲ ኩነት ኣብ ሞንጎ እቶም ኩባኒያታት ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ልውውጥ ልምዲ ንምግባርን ዓብዪ ግደ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ፍርያታት ኢትዮጵያ፣ ኣገልግሎታትን እታወታትን ብምፍላጥ ንምስፍሕፋሕ ልምዓት ሃገር፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ስራሕቲ ንግዲን ዝሕግዙ ቴክኖሎጂዎች ከምዝቐርቡ ተገሊፁ፡፡

መበል 13  ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲ ኢትዮ ቻምበር፥ ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment