ልዕሊ 245 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 2 ክሳብ 8 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ልዕሊ 245 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን 170 ሚሊየን ብር ናውቲታት ኣታዊን 75 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ናውቲታት ወፃኢን ኣብ ዝተፈላለያ ቅርንጫፋት ከምዝተትሓዘ ኢዩ ገሊፁ።

ካብ መንጎ እቶም ናውቲታት፥ ኣልባሳት፣ ነዳዲ፣ እንስሳት፣ ናውቲታት ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡና፣ መድሓኒት፣ ተሽከርከርቲ፣ ኣፅዋራት ኲናተ፣ ጫት፣ መዐወኒ እፃት፣  ዘይቲ ብልዕን ገንዘብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከምዝርከብዎም ሓቢሩ።

21 ተጠርጠርቲን 14 ተሽከርከርቲን ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment