ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 16 ክሳብ 22 ሰነ 2015 ዓ.ም ልዕሊ 238 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ምሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ 22 ውልቀ ሰባትን 11 ተሽከርከርቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ተሓቢሩ፡፡
ካብ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ÷ 169 ሚሊየን ኣተውቲን ልዕሊ 68 ሚሊየን ብር ወፃእቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡
እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ÷ ኣልባሳት፣ ነዳዲ፣ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ ጦር መሳሒታ፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሺሽ፣ ዘይ ብልዒን ናይ ዝተፈላለያ ሃገር ገንዘባት ኢዮም፡፡
ብፍተሻ፣ ብበረራን ብሓሬታ ሰባትን ዝተትሓዙ ምዃኖም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com