ልዕሊ 21 ሚሊየን በር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 21 ሚሊየን በር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ናይ ጉምሩክ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

እቶም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ካብ ዝተትሓዙሎም መቆፃፀሪ ቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት ሞያሌ፣ ሀዋሳን ኣዋሽን ቀዳምነት ዝሓዙ ኢዮም ተባሂሉ።

ብሰራሕተኛታት ጉምሩክ ኮሚሽን፣ ፌደራል ፖሊስ፣ መከላከያ፣ ኣባላት ክልል ፖሊስን ሕብረተሰብን ብዝገበርዎ ናይ ሓባር ፃዕሪ በፍተኛ፣ ብብረራን ጥቆማን ከምዝተትሓዙ እውን ተገሊፁ።

ካብ መንጎ እቶም ዝተትሓዙ ናውቲታት፥ መግቢ ተንከፍ ናውቲታት ፣ ኣልሳባት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ መድሓኒት፣ ናይ ጦር መሳርሒታት፣ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ገንዘብ ከምዝርከብዎም ተገሊፁ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment