ልዕሊ 20 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ በፃሕቲ ቻይና ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 20 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ በፃሕቲ ቻይና ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

ብኣተሓባባራይነት “ተች ሮድ” ዝተብሃለ ትካል ቻይናን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይናን ንዝመፅኡ በፃሕቲ÷ ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም ስለሺ ግርማ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

እቶም በፃሕቲ ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝመፅኡ እንትኾኑ÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም በፃሕቲ ካብ ቻይና ከምዝመፅኡ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ሚኒስቴር ቱሪዝም÷ ቻይናውያን ንኢትዮጵያ ንዑደት ሕርያኦም ንኽገብሩዋ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ቱር ኦፕሬተራት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናወገነ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡

Comments (0)
Add Comment