ልዕሊ 20 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ትሑትን ማእኸላይን መስመር ቅድመ ፅገና ተወጊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ መንፈቕ ዓመት ልዕሊ 20 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ትሑትን ማእኸላይን መስመር ቅድመ ፅገና ስራሕ ከምዝተወገነ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ ብብርኪ ሃገር ን609 ትራንስፎርመራ ስራሕቲ ምዕባይ ዓቕሚ ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 658 ኪሎ ሜትሮ ትሑትን ልዕሊ 786 ኪሎ ሜትሮ ማእኸላይ መስመር ዳግመ ህንፀት ስራሕን ተወጊኑ ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 20 ሺሕን 110 ኪሎ ሜትሮ ትሑትን ማእኸላይን መስመር ከምኡ እውን ን15 ሺሕን 209 ትራንስፎርመራት ቅድመ ፅገና ከምዝተገበረ ካብቲ ግልጋሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment