ልዕሊ 2 ቢልየን ፈልሲ ቡን፣ ልዕሊ ፍርቂ ቢልየን ፍረምረን ልዕሊ 400 ሚልየን ተኽሊ ሻሂን ምድላው ተጀሚሩ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 2 ቢልየን ፈልሲ ቡን፣ ልዕሊ ፍርቂ ቢልየን ፍረምረን ልዕሊ 400 ሚልየን ተኽሊ ሻሂን ምድላው ከምዝተጀመረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ክሳብ ሕዚ ካብ ዝነበረና ብዝለዓለ ብርኪ ተመሓይሹ ኣብ ቡን፣ ፍረምረን ሻሂን ዘድሀበ ምድላው ንገብር ኣለና” ኢሎም።

“እዚ ብደምቢ ብምትካል ናብ ፍርያት እንተዕቢናዮ ብሓፈሻ ኢኮኖሚናን ኣብ ሓለዋ ክሌማዊ ለውጢን ዝህልዎ ግደ ዕዙዝ ክኸውን ኢዩ ኢሎም” ኣብ መልእኽቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment