ልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ገንዘብ ብናይ ሕሶት ሰነድ ንምውፃእ ዝፈተኑ ተጠርጠርቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ገንዘብ ብናይ ሕሶት ሰነድ ናብ ካሊእ ኣካውንት ብምዝውዋር ምዝበራ ንምፍፃም ዝፈተኑ ሰለስተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ምድብ ኣራዳ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ መሰል ዋሕሶም ክኽበረሎም ንቤት ፍርዲ ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡

ፖሊስ ብግድኡ ንተወሳኺ ምርመራ 7 መዓልቲ ተወሳኺ እዋን ንኽሃቦ ሓቲቱ፡፡

ቤት ፍርዲ ፖሊስ ዝሓተቶ ተወሳኺ 7 መዓልቲ ምርመራ ብምፍቃድ ምርመራ ንኽኽዝም ኣዚዙ፡፡

ውፅት ምርመራ ንምፅባይ ድማ ን24 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ቆፀሮ ምሃቡ ኢብኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment